Published: 21 February 2024

ምምራጽ ብደብዳቤ

ሰንበት ዕለት 9 ሰነ 2024 ንባይቶ ኤውሮጳ ዝምልከት ኣብ ሽወደን ምርጫ ኣባልነት ዝግበረሉ እዩ።

ከምዚ ኢኹም ትገብሩ

  1. ድምጽኹም ብብሕቲ ኣዳልዉ። ኣብቲ ባዶ መውሃብ ድምጺ ወረቐት፡ ስም ናይቲ ክትመርጽዎ እትደልዩ ውድብ ጽሓፉ። ስም ውድብን ስም ናይቲ ክትመርጽዎ እትደልዩ ሕጹይን ብምጽሓፍ’ውን ብኣካል ድምጽኹም ክትህቡ ትኽእሉ ኢኹም። ነቲ ዝመላእኩሞ ወረቐት፡ ኣብቲ ንመምረጺ እተዳለወ ፖስታ ኣእትውዎ። ነቲ ፖስታ ለጢፍኩም ብምዕሻግ ወይ ኣብቲ ጫፍ ብምዕጻፍ ዕጸውዎ። እዚ፡ እቶም መሰኻኽር ከይተረኽቡ ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም።
  2. ክልተ መሰኻኽር ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ነቲ ድምጽኹም ዝሓዘ ፖስታ፡ ኣብቲ ”Ytterkuvert för brevröst” ዝብል ኣብ ዝተጻሕፎ ፖስታ ኣእትውዎ። ነቲ ፖስታ ዓሽግዎ። ኣብ ቅድሚት እቲ ፖስታ፡ ውልቃዊ ዝርዝር ሓበሬታኹምን ፌርማኹምን ብንጹር ጽሓፉሉ። እቲ ድምጺ ቅቡል ንኽኸውን፡ ኩሉ ሓበሬታ ክምላእ ኣለዎ።
  3. እቶም መሰኻኽር ዝርዝራቶምን ፌርማኦምን ኣብ ድሕሪት ናይቲ ደጋዊ ፖስታ ብንጹር ክጽሕፉ ኣለዎም። እቲ ድምጺ ቅቡል ንኽኸውን፡ ኩሉ ሓበሬታ ክምላእ ኣለዎ።
  4. ድሕሪኡ ”Omslagskuvert för brevröst” ዝብል ዝተጻሕፎ ፖስታ ውሰዱ።
    መምረጺ ካርድ እንተሃልዩኩም፡- ኣብቲ ፖስታ ዘሎ መስኮት፡ ኣድራሻ ናይቲ ኣብ ኮሙንኩም ዘሎ ምርጫ ቦርድ ከም ዝርአ ብምግባር፡ ነቲ መምረጺ ካርድ፡ ኣብቲ ፖስታ ኣእትውዎ።
    ናይ ድምጺ ካርድ እንተዘይብልኩም፦ ኣድራሻ በዓል መዚ ምርጫ፡ ኣብ መስኮት እቲ ፖስታ ከም ዝርአ ብምግባር ኣእትውዎ።
  5. ኩሎም እዞም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ስጉምትታት ከም ዝገበርኩሞም ኣረጋግጹ። ነዞም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ኩሎም ስጉምትታት እንተጌርኩሞም፡ ነቲ ናይ ሽፋን ፖስታ ዳግማይ ክትልጥፍዎን ክትልእክዎን ድሉዋት ኢኹም! ካብ ወጻኢ ሃገር ዝልኣኽ እንተዀይኑ፡ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ፡ ግናኸ ቅድሚ 25 ሚያዝያ 2024 ክልኣኽ ይግባእ። እቲ መምረጺ ደብዳቤ ኣብ ፍቕዲ ኣትዩ ምእንቲ ክቝጸር ኣብ ግዚኡ ክበጽሕ ኣለዎ። እቲ ደብዳቤ ካብ ሽወደን ክልኣኽ የብሉን።

መምረጺ ደብዳቤ እንተደንጐየ ዕለት 25 ሚያዝያ ክልኣኽ ኣለዎ

ብፖስታ ምምራጽ ማለት፡ ቅድሚ’ቲ መዓልቲ ምርጫ፡ ካብ ወጻኢ ሃገር ድምጽኻ ብፖስታ ብምልኣኽ፡ ብኣጋኡ ክትመርጽ ምኽኣል ማለት እዩ።

እቲ ድምጺ ኣብ ፍቕዲ ኣትዩ ንኽቝጸር፡ ኣብ ግዚኡ ከም ዝበጽሕ ጌርካ ክለኣኽ ኣለዎ። እቲ ድምጺ ካብ ሽወደን ብፖስታ እንተተላኢኹ፡ ኣይቍጸርን እዩ።

እቲ ብፖስታ ናብቲ ኣብ ሽወደን ክትመርጸሉ ዝግብኣካ ቦታ ይልኣኽ። ኣብቲ ምርጫ ዝካየደሉ ቦታ ኸኣ፡ እቲ መምረጺ ካርድ፡ ካብቲ መምረጺ ፖስታ ይፍለ። ብድሕሪኡ እቲ ዝሃብካዮ ድምጺ፡ ልክዕ ኣብቲ ቦታ እንተትነብር ክትመርጾ ብእትኽእል ኣገባብ፡ ምስቶም ካልኦት ድምጽታት፡ ብሓባር ኣብ ሓደ ሳንዱቕ ይቕመጥ።

ምስክር

ብፖስታ ድምጺ ክትህብ ንኽትክእል፡ 18 ዓመት ዝመልኡ ክልተ መሰኻኽር የድልዩኻ። እቶም መሰኻኽር ግድን ሽወደናውያን ክኾኑ የብሎምን።

እቶም መሰኻኽር ኣብቲ ፖስታ ሓበሬታኦም ብምምላእ፡ እቲ ናይ ፖስታ ድምጺ ብትኽክል ከም ዝተዳለወ ከረጋግጹ ኣለዎም። እቶም መሰኻኽር፡ ናይ ሽወደን ቁጽሪ ማሕበራዊ ድሕነት እንተዘይብሎም፡ ኣብ ክንድኡ ዕለተ ልደቶም ክጽሕፉ ይኽእሉ እዮም።

እቲ ድምጺ ምእንቲ ከይንጸግ፡ እቶም መሰኻኽር፡ ሓበሬታኦም ብንጹር ክጽሕፉ ኣገዳሲ እዩ።

መምረጺ ካርድ

ኣብቲ መትሓዚ፡ ዘይተጻሕፈሉ ነጻ መምረጺ ካርድ ኣሎ። ኣብኡ፡ ስም ናይቲ ውድብ ከምኡውን ሰብ ክትመርጽ እንተደሊኻ ድማ ስም ናይቲ ሰብ ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ። ብንጹር ክጽሓፍ ከም ዝግባእ ኣይትረስዕ።

ንምርጫ ሰብ፡ ፓርቲ ከምኡ’ውን ሕጹይ ዝምልከት ብቛንቋ ሽወደን እተጻሕፈ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ መላግቦ’ዚ ይርከብ

መሰል ምርጫን፡ መምረጺ ካርድን

ናይ ምድማጽ መሰል እንተሃልዩካ ኣብ መዝገብ መረጽቲ ስለ እትህሉ፡ እቲ መምረጺ ካርድ ይወሃበካ። እቲ ናይ ምድማጽ መሰልካ፡ ኣብቲ መምረጺ ካርድኻ ኣሎ።

ሽወደናዊ ዜጋ እንተኾንካ ወይ ከኣ ኣብ ሽወደን ምዝጉብ ነባሪ እንተዀንካን፡ መሰል ምድማጽ ኣሎካ። ከምኡ’ውን ነባርነትካ ኣብ ሽወደን ኰይኑ ግናኸ ዜጋ ሓንቲ ካብተን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ እንተኾንካ፡ ኣብ መዝገብ ምርጫ ሽወደን ተመዝጊብካ ናይ ምድማጽ መሰል ኣሎካ።

ነባርነቶም ኣብ ሽወደን ዝዀኑ ሽወደናውያን ዜጋታት ብቐጥታ ኣብ መዝገብ መረጽቲ ይኣትዉ። ኣብ መዝገብ ምርጫ ሽወደን ክኣትዉ ዝደልዩ ዜጋታት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ናብ ምምሕዳራዊ ቦርድ ናይቲ ኣውራጃ፡ 30 መዓልታት ቅድሚ መዓልቲ ምርጫ፡ ክምዝገቡ ኣለዎም።

ኣስተውዕል፦

  • እንተወሓደ ኣብቲ ዕለተ ምርጫ፡ 18 ዓመት ዝመላእካ ክትከውን ኣለካ።
  • ኣብ ሽወደን ብነባርነት ተመዝጊቡ ዘይፈልጥ ሰብ ናይ ምድማጽ መሰል የብሉን።
  • ንስኻትኩም እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገር ሽወደናውያንን ኣብ ካልእ ሃገር ሕብረት ኤውሮጳ እትነብሩ፡ ኣብታ እትነብሩላ ሃገር ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ከምኡ ኩነታት፡ ኣብኡ ንዝርከብ መዝገብ መረጽቲ ንምምዝጋብ፡ ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከብ በዓል መዚ ምርጫ፡ተወከስ። ከም መራጺ መጠን፡ ዋላ’ውን ድርብ ዜግነት እንተሃለወካ፡ ኣብ ሓንቲ ካብተን ሃገራት ጥራይ ኢኻ ክትመርጽ ትኽእል።