Published: 26 February 2024

ምድማጽ (ድምጽኻ-ምሃብ)

– ምርጫ ንባይቶ-አውሮጳ - ሰንበት ዕለት 9 ሰነ (juni) 2024

መን ኬድምጽ ይፍቀደሉ?

ሽወደናዊ-ዚጋ እንተ ዄንካ፡ እንተ ደንጐየ ኣብታ ዕለት-ምርጫ 18 ዓመት ትመልእ ከምኡ ውን ኣብ ህዝባዊ-መዝገብ ሽወደን ጽሑፍ ዝኾንካ ወይ ዝነበርካ ሰብ ምስ ትኸውን፥ ናይ ምድማጽ መሰል ይህልወካ።

ኣብ ህዛባዊ-መዝገብ ሽወደን ምዝጉብ ዝኾነ ሽወደናዊ ዜጋ፥ ብቐጥታ ኣብቲ መዝገብ-ኣድመጽቲ ከም ዚኣቲ ይግበር። ኣብ ናይ ወጻኢ-ሃገር ህዝባዊ-መዝገብ ዝተጸሓፍካ ምስ ትኸውን፥ ኣብቲ መዝገብ-ኣድመጽቲ ንኽትምዝገብ፥ ኣብ ዓዓሰርተ ዓመት ሓደ ጊዜ ምልክታ ምእታው የድልየካ። ኣብ ህዝባዊ-መዝገብ ሽወደን ብፍጹም ተመዝጊቡ ዘይፈልጥ ሰብ፥ ናይ ምድማጽ መሰል የብሉን።

ዜጋ ካብ ሓንቲ ናይተን ሃገራት ሕብረት-ኤውሮጳ ኴንካ፥ ኣብ ህዝባዊ-መዝገብ ሽወደን ጽሑፍ ኴንካ፥ ኣብቲ መዝገብ-ኣድመጽቲ ንኽትምዝገብ ምልክታ ዘቕረብካ ምስ ትኸውን፥ ናይ ምድማጽ መሰል ይህልወካ። እቲ ምልክታ ተቕርበሉ ቤትስልጣን፡ ”länsstyrelsen” ኰይኑ፥ እንተ ደንጐየ 30 መዓልታት ቅድሚ’ቲ ዕለተ-ምርጫ ምልክታ ክተቕርብ የድሊ።

ንስኻ ናይ ምድማጽ መሰል ዘሎካ ሰብ፡ ብቤት ቡስጣ ኣቢሉ መድመጺ-ወረቐት ይልኣኸልካ። እቲ መድመጺ-ወረቐት፡ ብዛዕባ ናይ ምድማጽ-መሰልካን - ኣበይ ቦታ ከም ተድምጽን ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። እቲ መድመጺ-ወረቐትካ እንተ ስኢንካዮ፡ ሓድሽ መድመጺ-ወረቐት ክትእዝዝ ትኽእል ኢኻ።

ብኸምዚ ዚስዕብ ክተድምጽ ትኽእል ኢኻ

እቲ ትህቦ ድምጺ ምስጢራዊ እዩ፡ ንዝዀነ ሰብ ድማ እንታይ ከም ዘድመጽካ ክትነግር ኣየድልየካን እዩ።

መድመጺ-ወረቐት ኣብ ኵሎም ክተድምጸሎም ትኽእል ቦታታት ኣሎዉ እዮም። ንባይቶ-ኤውሮጳ ኣብ ተድምጸሉ ጊዜ፥ ኵሎም ’ቶም መድመጺ-ወረቓቕቲ፡ ጻዕዳ ሕብሪ ዘሎዎም እዮም። ክተድምጽ ከሎኻ፡ ኣብታ ናይ ምርጫ ቡስጣ ሓንቲ መድመጺ-ወረቐት ኢኻ ተእቱ።

ክተድምጽ ከሎኻ፡ ሓደ መንነት-ወረቐት ክተርኢ ይግብእ እዩ። መንነት-ወረቐት ዘብልካ ምስ ትኸውን፥ ሓደ ካልእ ሰብ መንነትካ ኪምስክረልካ ይኽእል እዩ። እቲ ሰብ’ቲ ግን ናቱ መንነት-ወረቐት ከርኢ ይግብኦ እዩ።

ድምጽኻ ንሓደ ሰልፊ ምሃብ

ንሓንቲ ሰልፊ ኢኻ ድምጽኻ ትህብ። ስም ናይታ ሰልፊ ኣብቲ መድመጺ-ወረቐት ሰፊሩ ኣሎ። ናይታ ሰልፍኻ መድመጺ-ወረቐት ክትረክብ ምስ ዘይትኽእል፥ ኣብ ሓደ ባዶ መድመጺ-ወረቐት (blank valsedel)፥ ስም ናይታ ትደልያ ሰልፊ ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ።

ንሰልፊን ንግለ-ሰብን ድምጽኻ ምሃብ

እንተ ደኣ ሓደ ፍሉይ ተወዳዳሪ ናይታ ሰልፊ ክምረጽ ደሊኻ፥ ኣብታ መድመጺ-ወረቐት ካብ ዘሎ ኣስማት ናይ ተወዳደርቲ፥ ኣብ ቅድሚ ናይቲ ሰብ’ቲ ዘላ ትርብዒት፡ ናይ ”X” ምልክት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ንናይ ሓደ ሰብ ስም ጥራይ ኢኻ ምልክት ክትገብረሉ ትኽእል። ኣብ ሓደ ባዶ መድመጺ-ወረቐት (blank valsedel) ናይታ ሰልፊን ናይቲ ተወዳድሪ ሰብ ስምን ብምጽሓፍ፥ ንግለ-ሰብ ድምጽኻ ክትህብ ውን ትኽእል ኢኻ።

ኣብቲ ናትካ ኮሙን ወይ ኣብ ካልእ ኮሙን - ኣቐዲምካ ምድማጽ ይክኣል’ዩ

ኣቐዲምካ ድምጽኻ ክትህበሎም ትኽእል ኣዳራሻት ኣሎዉ እዮም። ኣብ ምሉእ ሃገር ካብ ዚርከቡ መድመጺ-ኣዳራሻት፥ ኣብ ሓደ ካብኦም ኬድካ ኣቐዲምካ ድምጽኻ ክትህብ ትኽእል ኢኻ። ኣቐዲምካ ድምጽኻ ምሃብ ካብ ዕለት 22 ጉንበት (maj) ጀሚሩ፥ ክሳብ ዕለት 9 ሰነ (juni) ኪቕጽል እዩ። ኣቐዲምካ ድምጽኻ ንምሃብ ክትከይድ ከሎኻ፥ እቲ መድመጺ-ወረቐትካ ምስኻ ኪህሉ ይግባእ። እንተ ደኣ ኣጥፊእካዮ፡ ሓድሽ መድመጺ-ወረቐት ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

ኣብቲ ናይ ምርጫ ኣዳራሽካ ኬድካ - ንዕለት 9 ሰነ (juni) ድምጽኻ ምሃብ

ኵሎም ኣድመጽቲ ኣብ ነናቶም ናይ ምርጫ-ኣዳራሽ ዝተመደቡ እዮም። እቲ ናይ ምርጫ-ኣዳራሽ ኣብታ ዕለት-ምርጫ ጥራይ እዩ ክፉት ዚኸውን። ኣብታ ናይ መድመጺ-ወረቐትካ ሰፊሩ ኣብ ዘሎ ኣዳራሻ-ምርጫ ኬድካ ጥራይ ኢኻ ክተድምጽ ትኽእል።

ካብ ወጻኢ ሃገር ድምጽኻ ምሃብ

ኣብ ወጻኢ ሃገር ትቕመጥ ወይ ጌሽካ ምስ ትህሉ፥ ብደብዳበ ጌርካ ወይ ኣቐዲምካ ኣብ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ሽወደናዊ ኤምባሲታትን ኣብያተ-ጽሕፈት ቆንስላታትን ኬድካ ክተድምጽ ትኽእል ኢኻ። ብደብዳበ ጌርካ ምድማጽ መታን ክትክእል፥ ሓደ ፍሉይ መልኣኺ (መዐሸጊ) ነገር ክትእዝዝ ይግብኣካ። ኣብ ርእሲኡ፡ ክልተ 18 ዓመት ዝመልኡ መሰኻኽር ውን የድልዩኻ እዮም። እቲ ድምጽኻ ካብ ወጻኢ ሃገር፥ እንተ ቀልጠፈ ኣብ ዕለት 25 ሚያዝያ (april) ኢኻ ክትልእኮ ትኽእል። ኣቐዲምካ ኣብ ኤምባሲ ወይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቆንስላ ኬድካ ድምጽኻ ንምሃብ ድማ፥ እንተ ቐልጠፈ ካብ ዕለት 16 ጉንበት (maj) ኪጅመር እዩ።

ብወኪል ጌርካ ድምጽኻ ምሃብ

ብወኪል ጌርካ ድምጽኻ ምሃብ ትኽእል ኢኻ፥ እንተ ደኣ ብምኽንያት ሕማም፡ ስንክልና ወይ ሽምግልና፡ ናብቲ መድመጺ-ኣዳራሽ ወይ ውን ናብቲ ኣቐዲምካ ክተድምጸሉ ትኽእል ቦታ ምምጻእ ዘይክኢልካ። ሽዑ ግን፡ ሓደ ፍሉይ መልኣኺ (መዐሸጊ) ነገር ክትእዝዝ ይግብኣካ። እቲ ድምጽኻ ምሃብ ግን፡ እንተ ቀልጠፈ ኣብ ዕለት 16 ጉንበት (maj) እንተ ደንጐየ ድማ ኣብ ዕለት ኣብ 9 ሰነ (juni) ክዳሎ ኣሎዎ።
ከምኡ ንምግባር፡ ሓደ ወኪልን ሓደ ምስክርን ኪህልወካ የድሊ እዩ። ክልቲኦም ድማ፡ 18 ዓመት ዚመልኡ ኪኾኑ ይግባእ። እቲ ወኪልን እቲ ምስክርን ሓደ ሰብ ኪኸውን ኣይግብእን እዩ። እቲ ናትካ ወኪል ኣብቲ ኣቐዲምካ ድምጽኻ እትህበሉ መድመጺ-ኣድራሽ መጺኡ ዜድምጽ ኮይኑ፥ ነቲ ናትካ መድመጺ-ወረቐት ተማሊኡ ኪመጽእ ይግብኦ።

ኣብ ቤት-ማሕቡስ ወይ ኣብ ቁጽጽር ቤትስልጣን ማእሰርቲ ምስ ትህሉ ውን፥ ብወኪል ጌርካ ድምጽኻ ክትህብ ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ርሑቕ ናይ ገጠር ቦታ ምስ ትህሉ ውን፥ ብሓገዝ ናይ ገጠር ደብዳበ-መበጻጽሒ ሰራሕተኛ ውክልና ድምጽኻ ክትህብ ትኽእል ኢኻ።

መን’ዩ ወኪል ኪኸውን ዚኽእል?

እቲ ወኪል ዕድሚኡ 18 ዓመት ዝመልአ ኪኸውን ይግባእ። እዞም ዚስዕቡ ወከልቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፡-

  • ሓደ ዘመድካ ዝዀነ ሰብ
  • ወሃብ ክንክን-ሕማምካ ወይ ኣብ ውልቃዊ-ጉዳያትካ በብመዓልቱ ዝተሓባበርካ ሰብ
  • ሰራሓተኛ ቤት ማእሰርቲ ወይ ቤት ማሕቡስ
  • ናይ ገጠር ደብዳበ-መበጻጽሒ ሰራሕተኛ፥ ኣብ ከምኡ ኣገልግሎት ዚወሃበሉ ከባቢ ትነብር ምስ ትህሉ እዩ።

ነቲ ድምጽኻ፡ ኣብ ቦታኻ መጺኦም ከም ዚቕበሉኻ ምግባር

ኣብ ቦትኻ መጺኦም መድመጺ-ወረቐት ምቕባል (ambulerande röstmottagning) ማለት፥ ንዓኻ ብምኽንያት ሕማም ወይ ሽምግልና ወይ ኣካላዊ ስንክልና፥ ኣቐዲምካ ንምድማጽ ወይ ኣብ ኣዳራሽ-ምርጫ መጺእካ ንምድማጽ ዘይትኽእል ምስ ትኸውን’ዩ። ኣብዚ ኣብ ቦታኻ መጺኦም ድምጽኻ ዚቕበልሉ ኣገባብ፥ እቲ ኮሙንካ ክልተ ተቐበልቲ መድመጺ-ወረቐት ናብ ገዛኻ መጺኦም ንኪቕበሉኻ የዳልወልካ እዩ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ኮሙንካ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ሕቶታት?

መልኣኺ (መዐሸጊ) ነገር ክትእዝዝ ምስ ትደሊ፥ ሓድሽ መድመጺ-ወረቐት ንምርካብ ወይ ኣበይን ብኸመይን ክተድምጽ ከም ትኽእል ሕቶታት ምስ ዚህልወካ? ምስቲ ኣብ ኮሙንካ ዘሎ ናይ ምርጫ ኮሚቴ ርክብ ግበር። ኣብ www.val.se ኣቲኻ ክትርኢ ወይ ውን ናብቲ ናይ ምርጫ ሓበሬታ መውሃቢ፡ ብቑጽሪ ስልኪ 020-825 825 (ካብ ውሽጢ ሃገር) ወይ +46 (0) 771 270 999 (ካብ ወጻኢ ሃገር)።