ምርጫ (ድምጺ-ምሃብ)
ሰንበት ዕለት 11 መስከረም 2022 ንሃገራዊ-ባይቶን፡ ንኮሙናዊን ዞባዊን ባይቶታት ምርጫ ኪካየድ’ዩ።
መን ከድምጽ ይፍቀደሉ?
ናይ ምድማጽ መሰል ኪህልወካ፥ እንተ ደንጐየ ኣብታ ዕለተ-ምርጫ 18 ዓመት ዝመላእካ ክትከውን ይጋባእ። እቶም ኣብ ህዝባዊ-መዝገብ ዘሎዉ ሓበሬታ፡ 30 መዓልታት ቅድሚ’ቲ ዕለተ-ምርጫ፥ ናይ ምድማጽ መሰል ዘሎካ ምዃኑን - ኣበየናይ ወረዳ ኬድካ ከም ተድምጽን ኪውስን’ዩ።
ንናይ ሃገራዊ-ባይቶ ምርጫ ንምድማጽ መሰል ኪህልወካ ዚኽእል፡ እንተ ደኣ፡-
- ሽወደናዊ-ዜጋ ዄንካ፡ ከምኡ ውን ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ጽሑፍ ኴንካን ወይ ኔርካን.
ንናይ ኮሙናዊን ዞባዊን ምርጫ ምድማጽ መሰል ኪህልወካ ዚኽእል፡ እንተ ደኣ፥
- ሽወደናዊ ዜጋ ዄንካ፡ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ውን ጽሑፍ ኴንካ
- ና ይ ሓንቲ ኣብ ሕብረት-ኤውሮጳ ኣባል ዝዀነት ሃገር ዜጋ ዄንካ ወይ ውንና ይ ”ኢስ-ላንድ” ወይ ኖርወይ ዜጋ ኴንካ - ኣብ ህዝባዊ-መዝገብ ሽወደን ጽሑፍ ምስ ትኸውን
- ዜ ጋ ናይ ካልእ ሃገር ኴንካ፡ ቅድሚ’ቲ ዕለተ-ምርጫ ንሰለስተ ተኸታተልቲ ዓመታት ኣብ ሃገር ሽወደን ዝተቐመጥካ ምስ ትኸውን እዩ።
ንስኻ ናይ ምድማጽ መሰል ዘሎዎ ሰብ፡ መድመጺ-ሰነድ ኪወሃበካ እዩ።
ንስኻ ናይ ምድማጽ መሰል ዘሎካ ሰብ፥ ቅድሚ ዕለተ-ምርጫ ሰለስተ ሰሙን ኣቢሉ ብቤት ቡስጣ መድመጺ- ሰነድ ኪልኣኸልካ እዩ። ኣብቲ መድመጺ-ሰነድ ድማ፡ ነየኖት ምርጫታት መሰል ከም ዚህልወካን - ናይቲ ተድ ምጸሉ ቦታ ስምን፡ ኣድራሻን ከምኡ ውን እቲ ኣዳራሽ ክፉት ዚዀነሉ ሰዓታትን ኪሰፍሮ እዩ። እንተ ደኣ እቲ መድመጺ-ሰነድ ዘይረኺብካዮ፥ በቲ ኮሙንካ ኣቢልካ ወይ ካብ ”ቤትስልጣን ምርጫ” (Valmyndigheten) ሓድሽ መድመጺ-ሰነድ ክትእዝዝ ትኽእል ኢኻ።
መድመጺ-ወረቐት
ካብቶም መድመጺ ወረቐታት፡ እቲ ብጫ ንሃገራዊ-ባይቶ መድመጺ፥ እቲ ጻዕዳ ንኮሙናዊ ባይቶ መድመጺ እቲ ሰማያዊ ድማ ንዞባዊ ባይቶ መድመጺ እዩ። መድመጺ-ወረቓቕቲ ኣብ ኵሉ ድመጺ ዚወሃበሉ ቦታታት ኪህሉ’ዩ።
ድምጽኻ ንሓደ ሰልፊ ምሃብ
እቲ ንስኻ ብቐዳምነት ድምጺ ትህበሉ ንሓንቲ ሰልፊ እዩ። ናይታ ሰልፊ ስም ኣብቲ መደመጺ-ወረቐት ሰፊሩ ኣሎ። እንተ ደኣ ናይታ ትደልያ ሰልፊ መድመጺ-ወረቐት ዘይረኺብካዮ፥ ኣብ ሓደ ጽሑፍ ዘይብሉ መድመጺ- ወረቐት (blank valsedel) ስም ናይታ ትደልያ ሰልፊ ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ።
ድምጽኻ ንሓደ ሰብ ምሃብ
እንተ ደኣ ካብቶም ሕጹያት ናይ ሓንቲ ሰልፊ ንሓደ ፍሉይ ሰብ ኪምረጽ ደሊኻዮ፥ ኣብቲ መድመጺ-ወረቐት ካብ ዘሎ ናይ ሕጹያት ኣስማት፥ ኣብ ቅድሚኡ “X” ብምጽሓፍ ኣመልክት። ኣብ ቅድሚ ስም ናይ ሓደ ሕጹይ ጥራይ ኢኻ ምልክት ምግባር ትኽእል። ድምጽኻ ንሓደ ሰብ ንምሃብ ምስ ትደሊ፥ ኣብ ሓደ ጽሑፍ ዘይብሉ መድመጺ-ወረቐት (blank valsedel)፥ ስም ናይታ ሰልፊን ስም ናይቲ ሕጹይን ብምጽሓፍ ውን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።
ኣብዚ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ
ኣብቲ ና ምርጫ ኣዳራሻካ ኬድካ - ንዕለት 11 መስከረም ድምጽኻ ምሃብ
ኣብቲ መድመጺ-ሰነድካ ሰፊሩ ኣብ ዘሎ ኣዳራሽ ምርጫ ጥራይ ኢኻ ክተድምጽ ትኽእል። እቲ ኣዳራሽ ምርጫ ኣብታ መዓልቲ ምርጫ ጥራይ’ዩ ክፉት ዚኸውን። ኣብቲ ናትካ ኣዳራሽ ምርጫ ኬድካ ኣብ ተድምጸሉ ጊዜ፥ ኣብቲ መዝገብ ኣድመጽቲ ስምካ ምልክት ኪግበረሉ’ዩ። እቲ መድመጺ-ወረቐትካ ድማ፡ ኣብቲ ሳንዱቕ ምርጫ ኪንበር እዩ።
ኣብቲ ናትካ ወይ ኣብ ካልእ ኮሙን ዘሎ መድመጺ ኣዳራሽ ኣቐዲምካ ድምጽኻ ምሃብ
ኣቐዲምካ ኣብ ዝዀነ ናይ ምርጫ ኣዳራሽ - ኣብ ምሉእ እቲ ሃገር ድምጽኻ ንምሃብ ትኽእል ኢኻ። ኣቐዲምካ ድምጽኻ ምሃብ፡ ኣብ ዕለት 24 ነሓሰ ጀሚሩ፥ ክሳብ’ቲ መዓልቲ ምርጫ ኪቕጽል እዩ። ኣቐዲምካ ድምጽኻ ንምሃብ ክትከይድ ከሎኻ፥ እቲ መድመጺ-ሰነድካ ምስኻ ኪህሉ ይግባእ። ኣቐዲምካ ኣበይ ኬድካ ድምጽኻ ክትህብ ከም ትኽእል ኣብቲ ኮሙንካ ወይ ኣብ val.se ክትረኽቦ ኢኻ።
ካብ ወጻኢ ሃገር ድምጽኻ ምሃብ
ኣብ ወጻኢ ሃገር ትቕመጥ ምስ ትህሉ፥ ብደብዳበ ድምጽኻ ክትህብ ወይ ኣቐዲምካ ኣብ ብዙሓት ኤምባሲታ ትን ኣብያተ-ጽሕፈት ቆንስላታትን ኬድካ ድምጽኻ ክትህብ ትኽእል ኢኻ። ብደብዳበ ጌርካ ድምጽኻ ምሃብ ክትክእል፥ ሓደ ፍሉይ ካብ “ቤትስልጣን ምርጫ” ወይ ካብ ኮሙን ወይ ካብ ኤምባሲ ወይ ካብ ቤትጽሕ ፈት ቆንስላ እትረኽቦ መልኣኺ (መዐሸጊ) ነገር ክትእዝዝ ይግብኣካ። እቲ ደምጺ መውሃቢ መልእኽትኻ እንተ ቐልጠፈ ካብ ዕለት 28 ሓምለ ጀሚሩ ካብ ወጻኢ ሃገር ኪልኣኽ ይኽእል’ዩ። ኣቐዲምካ ኣብ ኤምባሲ ወይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቆንስላ ድምጽኻ ንምሃብ ድማ እንተ ቐልጠፈ ካብ ዕለት 18 ነሓሰ ኪጅመር እዩ።
ንስኻ ተድምጽ ዘሎኻ - ንስኻ ምዃንካ ክተረጋግጽ ይግብኣካ
ድምጽኻ ንምሃብ መንነት ወረቐትካ ብምቕራብ - ናትካ መንነትካ ክተረጋግጽ ይግብኣካ። መንነት ወረቐት ዘይብልካ ምስ ትኸውን፥ ሓደ ካልእ ሰብ ናትካ መንነት ንምርግጋጽ ኪምስክረልካ ይኽእል’ዩ። ከምኡ ምስ ዚኸውን ግን፡ እቲ ዚምስክረልካ ሰብ ናይ መንነት ወረቐቱ ከቕርብ ኣሎዎ።
ድምጽኻ ንምሃብ ሓገዝ ምስ ዘድልየልካ
ብወኪል ጌርካ ድምጽኻ ምሃብ
ብወኪል ጌርካ ድምጽኻ ክትህብ ትኽእል ኢኻ፤ እንተ ደኣ ሓሚምካ፡ ኣካላዊ ስንክልና ኣልዩካ፡ ወይ ውን ብምኽንያት ሽምግልና ናብቲ ኣዳራሽ ምርጫ ወይ ኣቐዲምካ ናብ ተድምጸሉ ቦታ ንምምጽእ ዘይትኽእል ዄንካ እዩ። እንተ ደኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ወይ ኣብ ማሕቡስ ኣሊኻ ውን፥ ብወኪል ጌርካ ክተድምጽ ትኽእል ኢኻ። ድምጽኻ ምሃብ እንተ ቐልጠፈ ኣብ ዕለት 18 ነሓሰ፥ እንተ ደንጐየ ድማ ኣብቲ ዕለተ-ምርጫ ኪግበር ኣሎዎ። ስለዚ ወኪልን ምስክር የድልየካ’ዩ። ክልቲኦም 18 ዓመት ዕድመ ዘመልኡ ኪዀኑ ይግባእ። እቲ ወኪል ዚኸውንን እቲ መስካሪን ሓደ ሰብ ኪኸውን ኣይግባእን’ዩ።
ወኪል ዘድልየካ ምስ ዚኸውን - መን’ዩ ወኪል ኪኸውን ዚኽእል?
እቲ ወኪል ዕድሚኡ 18 ዓመት ዝመልአ ኪኸውን ይግባእ። እዞም ዚስዕቡ ወከልቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፡-
- ሓደ ዘመድካ ዝዀነ ሰብ
- ወሃብ ክንክን-ሕማምካ ወይ ኣብ ውልቃዊ-ጉዳያትካ በብመዓልቱ ዝተሓባበርካ ሰብ
- ሰርሓተኛ ቤት ማእሰርቲ ወይ ቤት ማሕቡስ
- ና ይ ገጠር ደብዳበ-መበጻጽሒ ሰራሕተኛ፥ ኣብ ከምኡ ዓይነት ኣገልግሎት ዚወሃበሉ ከባቢ ትቕመጥ ምስ ትኸውን።
ብወኪል ጌርካ ድምጽኻ ምሃብ ክትክእል፥ ሓደ ፍሉይ ካብ “ቤትስልጣን ምርጫ” ወይ ኮሙን እትረኽቦ መልኣኺ (መዐሸጊ) ነገር ክትእዝዝ ይግብኣካ። ብወኪል ጌርካ ኣቐዲምካ ድምጽኻ ክትህብ ምስ ትደሊ፥ መድመጺ-ሰነድ ኪህልወካ ይግባእ።
እቲ ድምጽኻ ኣብቲ ዘሎኻዮ ቦታ መጺኦም ኪቕበሉኻ
ኣብ ቦትኦም ኬድካ መድመጺ ወረቐት ናይ ኣድመጽቲ ምቕባል (ambulerande röstmottagning) ማለት፥ እንተ ደኣ ሓሚምካ ወይ ብምኽንያት ሽምግልና ወይ ኣካላዊ ስንክልና ኣቐዲምካ ንምድማጽ ወይ ኣብ ኣዳራሽ ምርጫ መጺእካ ንምድማጽ ዘይትኽእል ምስ ትኸውን’ዩ። ኣብዚ ኣብ ቦታኻ መጺኦም ድምጽኻ ዚቕበልሉ ኣገባብ፥ እቲ ኮሙንካ ክልተ ተቐበልቲ መድመጺ-ወረቐት ናብ ገዛኻ መጺኦም ንኪቕበሉኻ የዳልወልካ እዩ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ኮሙንካ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።